Fana: At a Speed of Life!

ላፍቶ ኩለ መዳይ ማእኸል ዕዳጋ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 8 ነጥቢ 8 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ላፍቶ ቁፅሪ ክልተ ኩለ መዳይ ማእኸል ዕዳጋ ተመሪቑ።

እቲ ማእኸል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ብሓባር ብምዃን መሪቐም ከፊተምዎ።

ዘበናዊ ስርዓት ዕዳጋ ብምስላጥ እወንታዊ ግደ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ዝተብሃለ እቲ ማእኸል፥ መዝሓሊ ክፍሊታት ሓዊሱ ሱተር ማርኬታትን ዘበናዊ ሹቓትን ዘካተተ ኢዩ።

ቅድመ ሐዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሃነፁ ተመሳሰልቲ ማእኸላት ዕዳጋ ፍሉይ ከምዝገብሮ ተገሊፁ።

ብሰለሞን ይታየው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.