Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሃገርን ዘላቒ ሰላምን ብንቕሓት ክሳተፉ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መናእሰይዝምዕበለት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅን ዘላቒ ሰላምን ብንቕሓት ክሳተፉ ይግባእ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ሚኒስትር ሰላም ምስ ውዳበ መናእሰይ ብምትሕብባር ዘሰናደኦ “መናእሰይ ንሰላም” መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ሃገራዊ ጎስጓስ “ሃገረይ ክሃንፅ ኢየ ሓላፍነተይ ክዋፃእ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ኩለ ሐዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብቑርፀኝነት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ስለ ዝኾነ መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሃገርን ዘላቒ ሰላምን ብንቕሓት ክሳተፉ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

መንእሰይነት፥ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዕብየትን ምዕባለን ንምርግጋፅ ዘኽእል ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ ኢሎም።

መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሃገር ግደኦም ንክዋፅኡ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምስንዳእ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መናእሰይ ፅንሰ ሓሳብ ሰላምን ዋጋን ብዝግባእ ብምግንዛብ ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ብንቕሓት ክሳተፉ ይግባእ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.