Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ብምዃን ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 35 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘቕረብዎ መግለፂ ረቂቕ ባጀት 2017 ዓ.ም መንግስቲ ፌዴራል ኣዳሚፁ።

ኣይተ ኣሕመድ፥ እቲ ረቂቕ ባጀት ተግባራዊ ንዝግበር ዘሎ መመሓየሺን ፊሲካል ፖሊሲን ማክሮ ኢኮኖሚ ተሓሳቢ ብምግባር ምስንድኡ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኣካል መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝኾነ ልልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትንን ባጀት ፕሮግራምን 2016-2018 ብምጥዕዓም ዝተቐመጡ ሸቶታትን ኣንፈታትን ብመንፅር ምፍፃምን ክህልዉ ዝኽእሉ መጠን ሃፍቲ ኣብ ግምት ብምእታውን ዝተሰናድአ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዝጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ምቕፃል፣ ልቓሕ መንግስቲ ጥዕና ዘለዎ ንክኸወን ምስ ኣለቃሕቲ ድርድር ሽግሽግ ዕዳ ምግባር፣ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምቕናስ ድጎማ ማሕበራዊ ወፃኢ ምቕፃል ዝብሉ ጠመተ ሂብካ ከምዝስርሑ ተዛሪቦም።

እቲ ረቂቕ ባጀት ምስ ባጀት 2017 ዓ.ም እንትነፃፀር ናይ 34 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘለዎ ምዝኽኻሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ባጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ኣታዊ ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ብድምር ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ብምዃን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ብዝርዝር ንምርኣይ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ ባጀትን ፋይናንስን ተመሪሑ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.