Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ኣርሜኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፕሬዚዳንት ታዬ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብ ሃፍቲ ኣርሜኒያ ኩለመዳይ ዕድላት ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ንምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣርሜኒያ ቫሃን ኮስታኒያን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

እቶም ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብቲ እዋን ካብ ፕሬዚዳንት ኣርሜኒያ ቫሃግን ካቻቱሪያን ዝተለኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዝዳንት ታዬ ኣቕሪቦም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ባህሊን ትምህርቲ ዘለወን ርክብ ምዕባይ ኣብ ዝኽላሎም ጉዳያት ትኹት ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ታዬ እተን ሃገራት ዓሚቕን ታሪኻዊን ርክብ ከምዘወን ብምሕባር ርክበን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ሪፎርም ኢኮኖሚ እናገበረት ትርከብ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ታዬ፤ ሰብ ሃፍቲ ኣርሜኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣርሜኒያ ቫሃን ኮስታኒያን ብግደኦም፤ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለመዳይ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ብቖራፅነት ከምትሰርሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ፡-

Website www.fanamc.com/tigrigna

Faceboo kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.