Fana: At a Speed of Life!

ንኣትክልትን ፍራምረን ዝተውሃበ ቆላሕታ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኣትክልትን ፍራምረን ዝተውሃበ ቆላሕታ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ተመራመርቲ ኢኮኖሚ።

ተመራማሪ እቲ ዓውዲ ኣቡሌ መሓሪ (ዶ/ር)፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንግዲ ወፃኢ ከብ ንምባልን ናህሪ ዋጋ ንምምዕርራይን ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ንኣትከልትን ፍራምረን ዝተውሃበ ቆላሕታ ቀፃልነት ብዘለዎ መገዲ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ዘርኣዩ ድማ ተመራማሪ ኢኮኖሚ  ኣረጋ ሹመቴ (ዶ/ር) ኢዮም።

በቢዓመቱ ዝትከሉ ፈልስታት ኣትክልቲን ፍራምረን ጥረ ኣቕሓ ኢንዱስትሪታት ካብ ምምላእ ብተወሳኺ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎም እቶም ተመራመርቲ ገሊፆም።

ብዙፋን ካሳሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.