Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን ንምርመራ ወሳኒ ዝኾነ ድምፂ መቕድሒ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ህንዲ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን ንምርመራ ወሳኒ ዝኾነ ድምፂ መቕድሒ ምርካቡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ ጉጅለ ምርመራ ኣፍሊጡ፡፡
ካብ ህንዲ ከተማ ኣህመዳባድ ተላዒሉ ናብ ለንደን ኣብ ምንባር ዝነበረት ቦይንግ 787-8 ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ ብዝበፅሐ ሓደጋ ዝነበሩ 270 ሰባት ምሟቶም ይዝከር፡፡
ፀላም ሳንዱቕ ተባሂላ እትፍለጥ ኣብ ውሽጣ ናይቲ በረራ ሓበሬታ ዝርርብ ኣብረርቲን ዝቕድሕሉ ክልተ መሳርሒታት ዝሓዘ ክፍሊ ኣውሮፕላን ምርካቡ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
እቲ ፀሊም ሳንዱቕ ብምርካብ ብጉጅለ መርማሪ ሓደጋ ኣውሮፕላን ምስ ሰብሞያታት ኣሜሪካን እንግሊዝን ብምትሕብባር እናካየደ ዘሎ ምርመራ ወሳኒ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.