Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ዝተፈላለዩ 31 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም 13 ፕሮጀክታት መገዲን 8 ድልድላትን ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ከንቲባ ምምሕዳር ኣዱስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣፈጉባኤ ወ/ሮ ቡዜና ዓልቃድርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ከተማና ንምዝማን ካብ ልምዓት ኮሪደር ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓታት መገዲ ተበፃሕነቱ ንምርግጋፅ ፍሉይ ጠመተ ሂብና ንሰርሕ ኣለና ኢለን።

ካብ መንጓ እቶም ሎሚ ዝተመረቑ ካብ ኣጉስታ – ወይራ መጋጣጠሚ፣ ጥቓ ቱሉ ዲምቱ ኮንዶሚኒያም ፣ ካብ ቃሊቲ ቀለበት መገዲ ኣደባባይ – ብኣቃቂ ድልድል- ቱሉ ዲምቱ ኣደባባይ ዝተሃነፁ መገዲታት ይርከብዎም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.