Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ንወለዶ እጃሙ እናተዋፅአ ምዃኑ የርእይ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን እናተሰርሑ ዘለው ስራሕቲታት ልምዓት ናይ ሕዚ ወለዶ እጃሙ እናተዋፅአ ምዃኑ የርእይ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።

ፕሬዚዳንት ታዬ እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ÷ ታሪኽ ጎንደር ብዝሓለወ መልክዑ ስራሕቲ ኪነ ህንፃታት ነዙይ ዘበን ኣበርክቶ ንምግባርን ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ዘተባብዕ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ጎንደር ሰላምን ልምዓትን ይረጋገፅ ከምዘሎ ዘርእዩ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ኣብ ከተማታት ዝረአ ዘሎ ልምዓት ድማ እቲ ሕዚ ወለዶ ሓላፍነቱ ይፍፅም ከምዘሎ የረድእ ኢሎም፡፡

ብተመሳሳሊ ድልድል ባህርዳር ኣባይ ሓዊሱ ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ንከተማ ናብ ፍሉይን ሓዱሽን ምዕራፍ ከተማነት ከምዘሰጋግራ ገሊፆም።

ስታድየም ባህርዳር ንስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ውድድራትን እታ ከተማ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብዝሓለፈ ኣህጉራዊ ውድድራት ንምድላው ከምዘኽእል ሓቢሮም፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ንምቕፃል ከምዝግባእ እቶም ፕሬዚደንት ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ብለይኩን ኣለም

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.