Fana: At a Speed of Life!

ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ብሄራዊ ረብሓ ንምርግጋፅ ወሳኒ ግደ ይፃወት

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ንምርግጋፅ ወሳኒ ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢሉ፡፡

እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ጠሚቱ ኣብ ዝካየድ መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት፤ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ጥቕሉል ዓምዲ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ንምርግጋፅ ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት እውን ኣገንዚቦም፡፡

ዓቕሚታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቅሞች ምስ ወፃኢ ዓለም ምትእስሳር ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ምጥንኻር ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ኣድላዪ ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ መንግስቲ ዝገበሮ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንዲፕሎማሲ ኢኮኖሚን ዓውዲ ኢንቨስትመንትን ሓዱሽ ዕድል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ መመሓየሺ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ፍሉያት ዞባ ኢኮኖሚን ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ከምዝተዋፈሩ ፀሪሖም።

በዚ ድማ ኣተውቲ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ካብ ምትካእ ሓሊፉ ብዙሓት ዕድላት ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።

ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ብምጥንኻር ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ሓበራዊ ምትሕብባር ከምዘድሊ ብምሕባር፤ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ዝተደላለያ ሃገራት እናሰርሑ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዕድላት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ሰብ ሃፍቲ ክስሕቡ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.