Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ናፅነት በዓል ኮሞሮስ ነጻነት ንምስታፍ ናብ ሞሮኒ ኮሞሮስ ኣቕኒዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ናፅነት በዓል ኮሞሮስ ነጻነት ንምስታፍ ናብ ሞሮኒ ኮሞሮስ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ  ልኡል ሰይድ ኢብራሂም ሞሮኒ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኮሞሮስ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ናፃ ዝወፅአትሉ 29 ሰነ 1967 ዓ.ም እንትኸውን፥ ፅባሕ እተኽብሮ በዓል መበል 50 ዓመት ናይ ናፅነት በዓላ ኢዩ።

ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ፕሬዚዳንት ታዬ ሓዊሱ  ሬዚዳንት ሴኔጋል፣ ታንዛኒያ፣ ሞሮኮ፣ ማዳጋስካር፣ ሞሪታንያን ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካን ናብ ኮሞሮስ ምእታዎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.