ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ናፅነት በዓል ኮሞሮስ ነጻነት ንምስታፍ ናብ ሞሮኒ ኮሞሮስ ኣቕኒዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ናፅነት በዓል ኮሞሮስ ነጻነት ንምስታፍ ናብ ሞሮኒ ኮሞሮስ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ልኡል ሰይድ ኢብራሂም ሞሮኒ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
ኮሞሮስ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ናፃ ዝወፅአትሉ 29 ሰነ 1967 ዓ.ም እንትኸውን፥ ፅባሕ እተኽብሮ በዓል መበል 50 ዓመት ናይ ናፅነት በዓላ ኢዩ።
ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ፕሬዚዳንት ታዬ ሓዊሱ ሬዚዳንት ሴኔጋል፣ ታንዛኒያ፣ ሞሮኮ፣ ማዳጋስካር፣ ሞሪታንያን ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካን ናብ ኮሞሮስ ምእታዎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!