Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሻት ብሄራዊ ረብሓታት ንምክባር ብምትሕብባር ክሰርሓ ኣለወን – ወ/ሮ ሃይማኖት ዘለቐ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መራኸብቲ ሓፋሻት ብሄራዊ ረብሓታት ንምክባር ብምትሕብባር ክሰርሓ ኣለወን ኢሉ ዋና ዳይሬክተር ሰብ መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጱያ ወ/ሮ ሃይማኖት ዘለቐ፡፡

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲ/ን ዳኒኤል ክብረት፣ ኣመራሓ መራኸብቲ ሓፋሻትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ግደ ሚድያታት ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ንምዝታይ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ወ/ሮ ሃይማኖት ዘለቐ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ቁፅሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ መፂኡ እዩ ኢለን፡፡

መራኸብቲ ሓፋሻት ንብሄራዊ ረብሓታት ኣብ ምሕላው ልዑል ተራ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እዋናዊ፣ቅኑዕን ሚዛናውን ፀብፃባት ብምቕራብ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ፀዊዐን።

ንብሄራዊ ረብሓ ሃገር ዕንቅፋት ዝኾኑ ናይ ፅልኢ ዘረባን ምስፍሕፋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ክከላኸል ኣለዎ ኢለን።

ብምዃኑ መራኸብቲ ሓፋሻት ፅልኢ ዘረባን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ከይዝርጋሕ ብምክልኻል ሓቀኛ ድሕረ ባይታ ከርእዩ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፤ ሃገራዊ ረብሓ ንምሕላው ብምትሕብባር ክሰርሑ ይግባእ ኢለን።

ናይ ፅልኢት ዘረባን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ንምክልኻል ብትኹረት ከምዝሰርሕ ሓቢረን።

ብዲጂታል ሚድያ ኣማራፂታት ዝዝርጋሕ ናይ ፅልኢ ዘረባን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ ብቴክኖሎጂ ከምዝተሃነፀ ተገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.