Fana: At a Speed of Life!

ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተገማቲ፣ ግልፂን ምቹውን ምህዳር ካፒታል ዕዳጋ ምፍጣር ኣኽኢሉ – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተገማቲ፣ ግልፂን ምቹውን ምህዳር ካፒታል ዕዳጋ ምፍጣር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፡፡

ካልኣይ ዞባዊ ጉባኤ ዕዳጋ ካፒታል ኣብ ማእኸክ ዓለም ለኸ ኣኼባ ኣዲስ ይካየድ ኣሎ።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ከም ጀማሪ ዘይኮነስ ከም ነባር ትካል ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ንቑሕ ተሳትፎ እናበረ ይርከብ ኢሎም።

ካፒታል ዕዳጋ ንሃገራዊ ዕቤት ኢኮኖሚን ዘፈር ውልቀን ዕዙዝ ተሳትፎ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ÷ በዚ ድማ በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ብተግባር ዝተገለፀ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብብቕዓት እናወገነት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ ሪፎርም መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተገማጺ ግልፂን ንዕዳጋ ምቹው ምህዳር ዝፈጠረ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ክዙን ገንዘብ ባንኪታት ምዕባይን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.