Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ዙር ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር ውድድር ኩዕሾ እግሪ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ፀወታታት ካብ ምድብ ሓሙሽተ ክሳብ ምድብ ሸሞንተ ዘለዋ ጋንታታት ካብ 1 ሰዓትን 55 ደቒቕን ጀሚሚረን ውድድረን…

ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግደ ትካላትን ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግደ ትካላትን ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ ብጉባኤ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ አንትኸውን፥ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ከምዘለዉ…

ወ/ሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል ሻምናይ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስሩዕ ጉባኤ ወ/ሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴን ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ንክኾና ተሸይመን። ኣብቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተዛቲዮም። እቲ መድረኽ ዘተ ቅድመ ምክልኻልን ጥንቃቐን ኮቪድ 19 ተግባራዊ ብምግባር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል…

ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምውፃእ ዓሊማ 335 ሚልየን ዶላር ካሕሳ ናብ ኣሜሪካ ከምዝለኣኸት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምውፃእ ዓሊማ 335 ሚልየን ዶላር ካሕሳ ናብ ኣሜሪካ ከምዝለኣኸት ተገሊፁ። ሱዳን ነዚ ዝፈፀመትሉ ምኽኒያት፥ እታ ሃገር እንተደኣ ካሕሳ 335 ሚልየን ዶላር ከፊላ ካብ’ቲ ንግብረ ራዕዲ ድጋፍ ካብ ዝገብራ ሃገራት…

ኣስታት 30 ሚኢታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጀመራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ኣስታት 30 ሚኢታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትማሊ ከምዝጀመራ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ገሊፁ። እቲ ሚኒስቴር ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ እውን ኣብ ቀፃሊ እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅምራ ኣፍሊጡ።…

ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ተወሰኽቲ ክልተ እዛት ወዲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊታት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝወሃቡኒ ግዴታታት ብቕልጡፍ ንምፍፃም ዘኽእሉኒ ኢዮም ዝበሎም ተወሰኽቲ ክልተ እዛት ከምዝወደበ ኣፍሊጡ። እቶም ሓደሽቲ እዛት ኣብዚ ዓመት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ እውን ተገሊፁ። ጠቅላይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ዘገልግሉ ሄሊኮፕተራት ይገጣጥም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ካብ ወፃኢ ዝመፅኣ ሄሊኮፕተራት ይገጣጥም ኣሎ። እቲ መገዲ ኣየር፥ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ብምትሕብባር ኣምበጣ በረኻ ንምጥፋእ ኬሚካል ንምንፃግ ዘገልግላ ሰለስተ ሄሊኮፕተራት ካብ ወፃኢ ምጉዕዓዙ…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 723 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 546 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 723 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 89 ሺሕን 860…

ኣብ ዝሓለፈ ርባዕ ዓመት ካብ ናይ ወፃኢ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ፍርቂ ቢሊየን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ርባዕ ዓመት ካብ ናይ ወፃኢ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ፍርቂ ቢሊየን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ገሊፁ።   እቲ እቶት ካብ ዓውዲ መፍረይቲ፣ ግብርናን ኣገልግሎትን ዝተረኸበ ኢዩ ተባሂሉ።…