መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣንፈትን ተስፋን ሃረር

ኣብ ከተማ ሃረር ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደርን እቲ ከባቢ ንናብራን ንቱሪዝምን ምቹው ናይ ምግባር ምንቅስቓስን ተዓዚበ። ኣብታ ከተማ ዝተጀመረ ስራሕ ዓሚቕ ዓቕሚ ምፍላጥ፤ ከባቢያዊ ፀጋታት ንምዕባለ ምጥቃም፤ ማሕበረሰብ ብምትሕብባርን ቆራፅነት ኣመራርሓን እንትርመሩ – ለውጢ ከመይ ከምዝመፅእ መርአዪ ኢ።

ንሃረር ከም ኣብነት ብምውሳድ ከባቢታትና ንምልዋጥ ዘኽእሉ ሸውዓተ ልምዲታትን ኣንፈታትን ስዒቦም ቀሪቦም ኣለዉ።

  1. ቆራፅነት ኣመራርሓ፦ ንሃረር ብዋናነት ዝቐየራ ቆራፅነት ኣመራርሓ ኢዩ። ዓመታዊ ኣታዊኦም ካብ ካልኦት ዝነኣሰ ኢዩ። ኣብ ስራሕ ዘውዓሉዎ በጀት እውን ትሑት ኢዩ።

ዝተረፈ ዘማልኡዎ ኣመራርሓ ቆራፅ ብምዃን ቀትሪን ለይቲን ብምስራሕን ዓቕሙ ፀንቂቑ ብምጥቃምን ኢዩ። ካልኦት ካብዚ ክንመሃር ኣለና።

  1. ታሪኻዊ ሃፍቲ ፈሊጥካ ምልማዕ፦ ሃረርን ከባቢኣን ካብ ሓ ሺሕ ዓመታት ዝበልፅ ታሪኻዊ ሃፍቲ ኣለዋ። እዚ ሃፍቲ ብምፍላጥን ብምፍላይን ንዑደት ምቹው ገይሮምዎ ኢዮም። መገዲ ተሰሪሑ ኢዩ፤ ሙዝየም ተሃፁ ኢዩ። ንፅህና እቲ ከባቢ ናይ ምሕላው ስራሕ እውን እናተሰርሐ ይርከብ። እዚ ንካልኦት እውን ትምህርቲ ዝኸውን ኢዩ።
  2. ጥንታዊ ከባቢ ኣናቢብካ ምዝማን፦ ሺሕን ሚኢቲን ዓመታት ታሪኽ ዘለወን ከተማታት ኢትዮጵያ ብኸመይ ክልወጣ ከምዘለወን ሃረር ተምሳሌት ኢያ። ጀጎል ተለዊጡ ኢዩ። መገዲ ውሽጢ ንውሽጢ ተዘርጊሑ ኢዩ። እቲ መካበቢያ ንምፅጋን ዝተሰርሐ ስራሕ፣ ስራሕቲ መብህቲ፤ ጥንታዊ ከተማ ዝወደቒ ኣባይቲ ዝተኸዘኑሉ ከይኸውን እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ፣ ጀጎል ኩሉ ግዘ ሓዱሽ ንኽኸውን ገይሩዎ ኢዩ። ዝኣረጋ ከተማታት ብኸመይ ከምዝቕየራ መምሀሪ ኢዩ።
  3. ከባቢያዊ ፍሉይ ፀጋ ንቱሪዝም ምጥቓም፦ ሃረር ሰባትን እንስሳ ዘገዳምን ተረዳዲኦም ዝነብሩላ ከተማ እያ፡፡ ነዙይ እዉን እቲ ሓደ መርኣያ ትርኢት ዝብኢ እዩ፡፡ ቕድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዙ ንሃረር ዝጎብነዩ ፀሓፍቲ እዚ ትርኢት ንኢዶም ፅሒፎም፡፡ እዚ ትርኢት ናብ ዘመናዊ መባፅሕ ቱሪስት ንምቕያር ካብ መሸጣ መፅሓፍ መደመር ትዉልድ ÷ ትርኢት ዝብኢ መርአዬ ኣምፊ ቴያትር ኣብ ሃረር ተሃኒፁ፡፡ በቢከባቢና ዘለዉ ፍሉያት ፀጋታት በዙይ መገዲ ፈሊጥና ክነልምዕ ኣለና፡፡
  4. ንስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከባቢያዊ ፍልጠት ምጥቃም፦ ኣብ ሓድሓደ ከተማታት ልምዓት ኮሪደር ብኽባር ዋጋ ዝርከቡ መገዲ መብራህቲ ኣብ ሃረር ግን ኣብ ከባቢኦም ብምፍራይ ሕሳር ዋጋ ተረኺቦም፡፡መገዲ መብራህቲ ንምፅጋን ዘሎ ፀገም ብዝፈትሕ መልክዑ ኣብ ሃረር መገዲ መብራህቶም ብሕሳርን ብዝተመሓየሸን ተሰሪሖም፡፡ ስራሕ ክባር ዝገብሮ ሃፍትን ፍልጠትን ብግቡእ ብዘይምጥቃም እዩ፡፡
  5. ብከባቢያዊ ፀጋት ከባቢ ምዉቓብ፦ ኣብ ሃረር ዉሽጣ ውሽጢ መገዲ ዝተሰርሑ ብእምኒ ሃረር ተፀሪቡ እዩ፡፡ እዚ ተግባር ሓዱሽ ህንፀት ምስ ነባር ክጠዓዓም ገይርዎ፡፡ ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ፈጢሩ፣ ብንኡሽተይ ወፃኢ ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ተኻኢሉ ከምኡውን ስግግር ፍልጠት ክህሉ ገይሩ፡፡ ዘወር ዘወር ኢልና መሬት ንርኣዮ፡፡ ንልምዓት ዝኸዉን ብዙሕ ሃፍቲ ኣለዎ፡፡
  6. ኣስፊኻ ምሕሳብ፦ ሃረር ብስፍሓት መሬት ካብ ኩለን ክልላት እታ ዝነኣሰት እያ፡፡ ታሪኻዊ ከተማ ብምዃና ኣብ ነበርቲ ምጭንናቕን ምፅባብ ቦታን አሎ፡፡ ፀቢብ ቦታ ዘስፍሖ ሰፊሕ ኣመለኻኽታ እዩ፡፡ ርሑቕ ዘቕርቦ ኣርሒቁ ዝርኢ እዩ፡፡ ኮሪደር ልምዓት ሃረር ሰፊሕ ዝኾነ ብሰፊሕ ኣረኣእያ እዩ፡፡ በዚ ኣረኣእያ ዝተሰርሑ መገዲ እግረኛታት፣ ፓርክታት ፣ ኣምፊ ቴያትር፣ ሓምለዋይ ቦታታት ወዘተ…ምዕሩጋት እዮም፡፡ ኣስፊሕካ ምሕሳብ ንንኡሽተይ የብዝሕ ፣ ንርሑቕ የቕርብ፡፡

    እዚኦም ኩሎም ሃፍቲ ከፈልፍሉ ምችዉ ሆቴላት የድልዩ፡፡ ኢንቨስተራት ስሒብካን ኣበረታቲዕኻን ንግዲ ምቅልጣፍ ይግባእ፡፡

    ኣብታ ከተማ ዝስርሑ ስራሕቲ ዘላቒ ንኽኾኑ ኣብ ገጠራት ትሩፋት ሌማት ብዝበለፀ ክስፍሕፍሑ ኣለዎም፡፡ ምዕቡል ሕርሻን መቀነባበሪ ተዋፅኦ ሕርሻን ክቀላጠፉ ንትጋህ፡፡ ዕዳጋ ከባቢና ነነቓቕሕ፡፡

    ምስ እዙይ ጎና ጎኒ ድልየት ለውጢ ፣ ሰላምን ፃዕራምነት ህዝቢ ከም ሃፍቲ ብምዉሳድ ህዝቢ ዘዕግብ ግልጋሎት ንሃብ፡፡

    ሃረር በርትዑ፡፡ ብዙሕ ይትርፈና ኢዩ ዓጊበ እየ ደዉ ከይተብሉ፡፡ ህዝቢ እናዛተኩምን እናተሓባበርኩምን ሃረር ምስ ዓለም ምንሕናሕ ክሳብ ትኽእሉ ትግሁ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment