ስፓርት
ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ኣብ ስፔን ኤልጎይባር ውድድር ኣቋፂ ሃገር ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ኣብ ስፔን ኤልጎይባር ሁዋን ሙጌርዛ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ኣቋፅ ሃገር ተዓዊቱ።
ኣትሌት ሰሎሞን እቲ ርሕቐት ብ33 ደቒቕን 14 ሴኮንድ ብምዝዛም ኢዩ ቀዳማይ ክወፅእ ክኢሉ፡፡
ኣብቲ ርሕቐት ትውለደ ኢትዮጵያዊ ንባህሬን እናጎየየ ዝርከብን ብርሃኑ ባለው 2ይ እንትወፅእ÷ ስፔናዊ ኣዴል ሜካል 3ይ ብምውፃእ ውድድሩ ከምዝዛዘመ ካብ ኣሌቲክስ ኒውስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana…
Read More...
ኣማኑኤል ኢሳያስ ደረጃ ኢንተርናሽናል ኢንስትራክተር ቮሊቦል ረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ቮሊቦል ንኣማኑኤል ኢሳያስ ደረጃ ኢንተርናሽናል ኢንስትራክተር ቮሊቦል ሂቡዎ።
ብመሰረት እዚ÷ ካብ ሙኩር ኢንተርናሽናል ኢንስትራክተር ኣለማየሁ ሸዋታጠቅ ቀፂሉ ኣማኑኤል ሰኢሳያስ ካልኣይ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ፡፡
ኣማኑኤል ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ምስክር ወረቐት ኣሰልጣንነት ሳልሳይ ደረጃ ቮሊቦል ዘለዎ ብሕታዊ…
ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም
አዲስ አበባ፣ ታኅሣሥ 28፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ) ብምዃን ዳግም ተመሪፆም።
ሓፈሻዊ ጉባዔ መረፃ ሴካፋ÷ ኣመራርሓታት ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣባል ሃገራት ኣብ ዝተረኸባሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዛንዚባር ተኻይዱ።
ብመሰረት እዚ…
ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ድሕሪ 4 ዓማውቲ ናብ ውድድር ክትምለስ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ድሕሪ 4 ዓማውቲ ናብ ውድድር ክትምለስ ኢያ ተባሂሉ።
15 ጥሪ 2023 ዓ.ምፈ. ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣራምኮ ሂዩስተን ኢያ ናብ ውድድር ክትምለስ።
ኣብቲ ውድድር ኣሜሪካዊት ኤምሊ ሲሰንን ኢትዮጵያዊት ህይወት ገ/ኪዳንን ተነሓናሕቲ ጥሩነሽ ክኾና ኢየን ክብል ወርልድ ኣትሌቲክስ ፀብፂቡ።…
ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጋንታ ናብ ሞሮኮ ዝገብሮ ጉዕዞ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ጋንታ ንቻን ውድድር ምድላው ናብ ሞሮኮ ዝገብሮ ጉዕዞ ጀሚሩ።
እቲ ብሄራዊ ጋንታ ናብ ግብፂ ካይሮ በረራ ዝገበረ እንትኸውን፥ እቲ ጋንታ ቅድሚ ደቓይቕ ብሰላም ካይሮ ከምዝበፅሐ ተፈሊጡ።
እቲ ብሄራዊ ጋንታ ንሒደት ደቓይቕ ኣብ ካይሮ መዕርፎ ነፈርቲ ፃንሒት ድሕሪ ምግባሩ ናብ ሞሮኮ ጉዕዝኡ ዝቕፅል…
ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣብ ከተማ ኣዳማ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብ መጀመሪ መርሃ ግብሪ እቲ ሻምፒዮና ዝተረኸቡ ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን÷ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተተካእቲ ስፖርተኛታት ኣብ ምፍራይ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡…
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣቋራፂ ሃገር ኢንተርናሽናል ጃንሜዳ ሻምፒዮን ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሻምፒዮና 10 ሺሕ ሜትሮ ዓለም ለኸ ውድድር ጉያ ኣቋራፂ ሃገር ጃንሜዳ ኮይና፡፡
መበል 40 ውድድር ጉያ ጃንሜዳ ኢንተርናሽናል ምቁራፅ ሃገር ብድብልቕ ሪሌ ተኻይዱ።
እቲ ውድድር ሎሚ መዓልቲ ንመበል 40 ግዜ ኣብ ከተማ ሱሉልታ እንትካየድ÷ ሻምፒዮናት ዓለም፣ ኮከባት ኦሎምፒክን ካልኦት ፍሉጣት…