ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቻይናዊ ግሩፕ ሁዋጂያን ኣብ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ንምስራሕ ናይ 100 ሚሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ስምምዕነት ተፈራሪሙ።
እቲ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣይተ ሞቱማ ተመስገንን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ ሁዋጂያን ዛንግ ሁዋሮንግ ተፈሪሞም።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ግሩፕ ሁዋጂያን ኣብ ዓውዲ ፍርያት ሶላርን ኤክስፖርት ኢንቨስትመንት ብ100 ሚሊየን ዶላር እቲ ዞባ ኢኮኖሚ ዝስራሕ ይኾን፡፡
ኣይተ ሞቱማ ተመስገን እቲ ስምምዕነት ኣመልኪቶም ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ÷ ኣብ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ገዳ ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ምችው ኩነታት ኢንቨስትመንት ዝፈጥር ምድላዋት ይግበር ኣሎ።
ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ማይ፣ ቀረብ እታዎትን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ንምዝዛም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ዛንግ ሁዋሮንግ ብግዲኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምንቅቓሕ ኢንቨስትመንት ዓብዪ ግደ ምሃቡ ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ