ሃገራት ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋፅ ንኣርተፊሻን ኢንተሌጀንስ ጠመተ ክህባ ይግባእ-ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራት ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋፅ ንኣርተፊሻን ኢንተሌጀንስ ጠመተ ክህባ ይግባእ ኢሉ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንዲፒ)።

ዩኤንዲፒ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፥ ብኣርተፊሻን ኢንተሌጀንስ ቀዲምካ ምርካብ እንተዘይተኻኢሉ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ምዕባለ ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ በዝበለፀ ንክሰፍሕ ይገብር ክብል ሓቢሩ።

ሃገራት ኣርተፊሻን ኢንተሌጀንስ ቴክኖሎጂ ናም ምጥቃም ዓቕመን ክብ ንምባል ቀዲሙ ክስራሕ ዝግባእ ኣፈላላይ ምፅባብ ዝኽእላሉ ዕድል ምህላዉ እውን ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዲጂታል ክእለት ምህናፅ፣ ስርዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ምጥንኻርን ዲጂታል መሰረተ ልምዓታት ምስፋሕን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment