ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ገበናት ሳይበር ንምክልኻል ብምውዳድ ክሰርሓ ከምዝግበአን ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሐንነትን ሰሎሞን ሶካ ገሊፆም።
ኣብ ዩናይትድ ኢሚሬታት ዓረብ ጂይቴክስ ግሎባል ዱባይ “መጥቃዕቲ ሳይበር ዓለም ለኸ ክሳራ” ብዝብል ርእሲ ፓናል ዘተ ተኻይዱ፡፡
ኣቶ ሰለሞን ሶካ ኣብቲ ፓናል ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ገበናት ሳይበር ኣብ ልዕሊ ትካላት ካብ ዘብፅሑዎ ልዑል ገንዘባዊ ክሳራ ብተወሳኺ እተን ትካላት እምነት ህዝቢ ከስእነን ዝኽእል ኢዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ÷ ምህዳር ሳይበር ብምጥቃም ዝፍነው ኲናት ስነ-ልቦና ንሃገራትን ዋጋ እናኽፈለ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሃገራት ካብዚ ከቢድ ክሳራ ንምንጋፍ ተወዲብነ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
መጥቃዕቲ ሳይበር ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ብምምፅ ትካል ምስ ገበናት ሳይበር ተተሓሒዞም ዝመፅኡ ሓደጋታት ንምንካይ ሰብ ማእኸል ዝገበረ ኣካይዳ ክኽተላ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com