ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቅድመ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2027 ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ምስ ሳኦቶሜን ፕሪንሲፔ ቀዳማይ ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡
ንሳኦቶሜ ዝገጥም ኣሰላልፋ ዋልያታት ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ።
በዚ ድማ ኣቡበከር ኑራ፣ ኣለምብርሃን ይግዛው፣ ራምኬል ጀምስ፣ ያሬድ ባዬ፣ ያሬድ ካሳዬ፣ ወገኔ ገዛሀኝ፣ ከነኣን ማርክነህ፣ ሃብታሙ ተከስተ፣ መስፍን ታፈሰ፣ ኣቤል ያለውን ቸርነት ጉግሳን ኣብ ቀዳማይ ኣሰላልፋ ተኻቶም።
እቲ ፀወታ ኣብ ሞሮኮ ስታዲየም ኤል ኣብዲ ምሸት ሰዓት 1፡00 ክጅምር ኢዩ።
ናይ መልሲ ፀወታ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ሰሉስ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክካየድ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!