ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2027 ፅዋዕ ኣፍሪካ ቅድመ መፃረዪ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናይ መልሲ ፀወታኣ ምስ ሳኦቶሜን ፕሪንሲፔን ክትገብር ኢያ፡፡
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ሞሮኮ ብምምራሕ ዝገበረቶ ቀዳማይ ዙር ፀወታ 3 ን 0 ምስዓራ ይዝከር፡፡
ናይ ሎሚ መዓልቲ ብዕፁው ከምዝካየድ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እፍሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ውሳነ ዘሕለፈ ይኹን እምበር÷ ዳግም ምስገምገመ 10 ሺሕ ተመልከትቲ ናብ ስታዲየም ንኸኣርዉ ውሳነ አሕሊፉ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሳኦቶሜን ፕሪንሲፔን ትገብሮ ናይ መልሲ ፀወታኣ ካብ ቀትሪ ሰዓት 10 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክካየድ ኢዩ፡፡
ካብ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ብድምር ውፅት ትዕወት ሃገራዊት ጋንታ 2027 ናብ ምድብ ድልድል መፃረ㝕ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክትፅምበር ኢያ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!