ሃገራዊ መረፃ ንኽዕወት ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ሃገራዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና እጃሙ ብግቡእ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ኣደም ፋራህ፡፡

ዋና ቤት ፅሕፈት ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ኣሳታፊን ንኽኸውን ሰላም ምሕላው፣ መናእሰይ ካርድ መረፃ ክወስድን ድምፂ ንኽህብን ብትኹረት ክሰርሁ ይግባእ፡፡

ነዚ ድማ ኣወዳድባ ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ብሄራዊ ያታ ዝተሃነፀ ትውልዲ ንምህናፅን ኩለመዳያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ልዑል ግደ ዘለዎ ስትራቴጂያዊ ሓይሊ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም እውን ኣባላትን ኣመራርሓን ክንፊ መናእሰይ ናይ ባዕሎም ግደ ብግቡእ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ፓርቲ ብኹሉ መዳይ ብዘዕወቶ ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ክንፊ መናእሰይ ዝለዓለ ግደ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ምትጋህ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment