ሃገራዊ ኣጀንዳ እንታይ ዓይነት ቅርፂ ክህልዎ ይኽእል?

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1265/2014 ምጥያሹ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ኣብ መእተዊ እቲ ኣዋጅ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ፓለቲካን ሓሳብን መራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣዚዩ መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያት ኣፈላላይ ሓሳብን ዘይምርድዳእ ከምዘለዉ ብምሕባር እዚ ድማ ንምምስራት እቲ ኮሚሽን ከም ምኽንያት ተቐሚጡ ኢዩ፡፡

‘’ኣዚዩ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት’’ ክበሃሉ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣየነኦም ኢዮም? እዚ ጉዳይ ንምርዳእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘለትሉ ነባራዊ ኩነታት ምግንዛብን ኣብ ባይታ ዘለዉ ሓቂታት ምርኣይ ይሓትት፡፡

ብምዃኑ ድማ እቲ ኮሚሽን መዳርግቲ ኣካላት ሃገራዊ ምርድዳእ ክግበረሎም ይግባእ ኢሎም ዝኣመኑሎም ናይ ኣጀንዳ ሓሳባት ብህዝባዊ ልዝባት ንኸልዕሉ እናበረታተዐ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ንምዃኑ ምርድዳእ ዝሓቱ ‘’ኣዚዮም መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት’’ እንታይ ዓይነት ቀንዲ ቀንዲ መግለፂን ቅርፂን ክህልዎም ትፅቢት ይግበር? ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ጉዳያት እዚ ጉዳይ ብኣብነት ከርእዩ ይኽእሉ፡፡

  1. ህልውና ሃገረ መንግስቲን ቅቡልነትን ዝፈታተኑ ጉዳያት፤
  2. ከም ሃገር ብሓባር እንትንነብር በቢእዋኑ ዘይምርድዳእት ዘስዕቡ ሃገራዊ ሓድነትና ዝሽርሽሩ ጉዳያት፤
  3. ብቕልጡፍ መዕለቢ ዝጠልቡ እዋናዊ ሃገራዊ ፈተናታትን ማሕለኻታትን ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

ኢትዮጵያ እናዘተየት ትርከብ!

Comments (0)
Add Comment