ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተጓዓዘሉ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ሸሞንተ ቀንዲ ኣጀንዳታት ብምፍላይ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ በፂሑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዕሊ ተጀሚሩ።
ብዛዕባ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ሐዚ ዝበፅሖ ምዕራፍን ጠሚቶም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ሪኢቶኦም ሂቦም ኣለዉ።
እቶም ሪኢቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ሃገራዊ ዘተ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ተሳተፍቲ ዝገብር ምዃኑ ንኢዶም።
እቲ ዘተ ብፍላይ ንፀገም ሰላምን ፀጥታን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ከም ህዝቢ ኣብ’ዚ ታሪካዊ ዕለተ ሃገራዊ ዘተ ብምብፃሕና ንመንእሰይን ሃገርን ትስፉው መፃኢ ኣጉሊሁ ዘርእይ እዩ ኢሎም።
ከም ኣገላልፃ እቶም ርእይቶ ወሃብቲ፥ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብዘካይዶ ዘሎ ዘተን ዘረጋግፆ ውፅኢትን ኣብ ሃገርና ዝረኣዩ ብብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ ጎንፂታት ክፍትሑ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንከይህሉ ዝገብሩ ጉዳያት ብፍላይ ቅርሕንቲ ክፈጥሩ ኣብ ዝኽእሉ ዛዕባታት፥ ህዝቢ ኮፍ ኢሉ ተመያይጡን ተዘራቡን መፍትሒ ዘናድየሉ መገዲ ክኸውን እዩ ኢልና ንኣምን ኢሎም፡፡
ኣብ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዝተሳተፉ ሰባት ዝዝትዩዎ ናይ 120 ሚሊየን ዜጋታት ጉዳይ ስለዝኾነ፥ ኩልና ነዚ ሓሳብ ደጊፍና ዝተስማዕምዑሉ ሓሳብ ናትና ኢልና ክንቅበል ኣለና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ንዘመናት መበገሲ ጎንፂታት ዝነበሩ ጉዳያት ተፈቲሖም፣ መፃኢ ወለዶ ብታሪኻ ዝኾርዓላ ሃገር ንኽትከው ዘኽእል ውፅኢት ትፅቢት ከምዝገብሩ ድማ ገሊፆም።