ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል መሕገዚ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን መቄዶንያ ካብ 6 መጋቢት 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ዓብዪ ሃገራዊ ጎስጓስ መተኣኻኸቢ እቶት ክካየድ ኢዩ።
ኮሚቴ መተሓባበሪ ጎስጓስ መተኣኻኸቢ እቶት እቲ ማእኸል ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።
መስራቲ መቄዶንያ ቢኒያም በለጠ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ እቶት ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ።
ካብ 6 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ጎስጓስ መተኣኻኸቢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ዜጋታት ብገንዘብ፣ ብፍልጠትን ብካልኦት ናውቲን ሓገዝ ንኽገብሩ ፀዊዖም።
ብየሻምበል ምህረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!