ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መበል ራብዓይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም ኣብ ከተማ ሃረር ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፥ ሃይማኖት ንሰላም፣ ሓድነትን ሕብረትን ዝዝቲ ዘሎ እንትኸውን፥ መራሕቲ ትካላት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ተረኺቦም።
ሎሚ ሓዊሱ ንክልተ መዓልታት ዝካየድ እቲ ጉባኤ ሰላም፥ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ተገሊፁ።
እቲ ጉባኤ ቅድመ ሐዚ ኣብ ድሬዳዋ፣ ጅማን ባህርዳርን ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታት ሰላም ህዝቢ በዓል ዋና ሰላም ንክኸውን ዘኽእሉ ተግባራት ምክያዱ እውን ተሓቢሩ።
ብጌታሰው የሽዋስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!