ሃገር በቆል መፅናዕቲን ምርምርን ንጥዕና ሕብረተሰብ እታወት ንኽውዕል ምግባር የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ፍሬህይወት አበበ ሃገር በቆል መፅናዕቲን ምርምርን ናብ ልምዓት ብምልዋጥ ንጥዕና ሕብረተሰብ እታወት ምውዓል ይግባእ ኢለን።

ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሃንሰን (ኣህሪ) ‘ዕዙዝ ልምዓትን ምርምርን ጥዕና ንዝሐሸ ጥዕና’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።

እተን ሚኒስትር ደኤታ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፤ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝካየዱ መፅናዕቲን ምርምርን ብግቡእ ናብ ልምዓት እንትልወጡ ኣይረአን።

ኣህሪ ኣብ 55 ዓመታት ሳይንሳዊ ጉዕዞኡ ካብ ምርምር ሓሊፉ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ትኹረት ብምግባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ እዚ ተግባር ኣጠናኺሩ ንኽቕፅልን ዝተሰርሑ ምርምራት ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢለን።

ዋና ዳይሬክተር ኣህሪ ኣፈወርቅ ካሱ (ፕ/ር) ብግደኦም ሃገር በቆል ፍልጠታት ብምጥቃምን ብሓባር ብምዃንን ድኽነት ሓዊሱ ንሃገር ንድሕሪት ዘትርፉ ፀገማት ምፍታሕ ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ፀገማት አውዲ ጥዕና ንምፍታሕ ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣህሪ ምስ ብዙሓት ትካላት ብሓባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ሳይንሳዊ ፅዕንቶታት ከም ኣብነት ኣልዒሎም።

ብዘቢብ ተክላይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment