ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃፍቲታት ዕደና ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብዓይነትን በዝሕን ተኸዚኖም ይርከቡ ኢሎም ሚኒስትር ዕደና ኢትዮጵያ ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ሶማሌ ካሉብ ኣብ ዓመት 111 ሚሊየን ሊትሮ ምፍራይ ዝኽአል ፕሮጀክት ተፈጥሮ ጋዝ ፈሳሲ ኦጋዴን ቀዳማይ ዙር ትማሊ ብዕሊ ብምምራቕ እምነ ኩርናዕ ህንፀት ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴ ኣቐሚጦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ህንፀት ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴ አንትዛዘም ጠለብ ናፍጣን ቤንዚንን ኢትዮጵያ ካብ 80 ክሳብ 90 ሚኢታዊ ዝሽፍን ዓቕሚ ኣለዋ ኢሎም።
ሃፍቲታት ዕደና ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ተኸዚኖም ይርከቡ ዝበሉ ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)፥ ወሽመጥ ኦጋዴን ካብ መንጎ ብዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ብእኩብ ተፈጥሮ ጋዝን ድፍድፍ ነዳዲን ልዑል እኩብ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ካብ መፈለምታ 1920 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ከምዝፍለጥ ገሊፆም።
ኣብ 1970ታት ብዙሓት ኩባኒያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኳዕቲን መፅናዕቲን ነዳዲ እንተካይዱ ከምዝፀንሑ እውን ተዛሪቦም።
መንግስቲ ንዓውዲ ዕደና ዝሃቦ ልዑል ጠመተ ስዒቡ ምስ ኩባኒያ ጂሲኤል ብምፍርራም ኣብ ሓደ ዓመትን ክልተ ኣዋረሕን ስሉጥ ህንፀት ናይ መጀመሪ ምዕራፍ ልምዓት ጋዝ ኦጋዴን ምዝዛሙ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ንፍሪያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ምቕራብ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!