ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል መሰረተ ልምዓት ምጥንኻር ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘለና ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል መሰረተ ልምዓት ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም ናይ ቀደማይ ሚኒስትር ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ብምዃን ወግዒ ሶፍ ኦመር ኣሳሊጦም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ሶፍ ዑመር ኢትዮጵያ ካብ እትኮርዐሎም መልክኣ ምድሪታት ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በዓቲ ሶፍ ዑመር መልክኣ ምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪክን ባህሊን ከምዝኾነ ብምርኣዮም ምሕጓሶም ገሊፆም።

ሰላም ምንጋስ መሰረተ ልምዓት ምጥንኻር ዝደጋገፉ ነገራት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃፍቲ ብዝግባእ ንምጥቃም መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕ ይግባእ ኢሎም።

ዘለና ተፈጥሮ ናብ ሃፍቲ ንምቕያር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ነቒስካ ብምልላይ ብምውዳድ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብመላኩ ገዲፍ

Comments (0)
Add Comment