ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህልውናን ብሄራዊ ረብሓታትን ሃገርና ንምሕላው ሰራዊትና ልዕሊ ማንም እዋን ድሉው ኢዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
ቤት ትምህርቲ ሓፂር ኮርስ ሕፁያት መኮንናት ሁርሶ መበል 26 ሰልጠንቲ ንስር ኮርስ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ብምርካብ ንተመረቕቲ መኮንናት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ደቂ ሓርበኛታት ስለዝኾንኩም ሃገር ሓሊኹም ንትውልዲ ክተረክቡ ትፅቢት ይግበረልኩም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡
እቶም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ኣብ መደረኦም፥ ሰራዊትና ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ብብቕዓትን ብቖራፅነትን ንምውፃእ ዘኽእል ዘመቡ ዝጠልቦ ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ቀሲሙ ኢዩ ኢሎም።
ተመረቕቲ ኣብቲ ስልጠና ብዝረኸብኩምዎ ተግባራዊ ልምዲን ፍልጠትን ክብ ኢልኩም ከም ኣሞራ ብምብራር ንብራኸ ሃገርን ሉኣላዊነትን ክትሰርሑ ኣለኩም ክብሉ ገሊፆም።
ሃገርና ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ከይትጥቀም ዝደልዩ ፀላእታ ባንዳታት ብምምልማልን ናይ ውሽጢ ቀዳድ ብምፍጣርን ሃገር ንምትርማስ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።