ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ህልውና ሃገር ብሓባር ምሕላው ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ።
ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን 4 ጳጉሜን «መዓልቲ ህብር» ኣመልኪቶም ናይ ኪነ-ጥበብ ምሸት ኣካይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኽቡ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ከምዝበልዎ፣ ህልውናን ጥንካረን ኢትዮጵያ ብዙሕነትን ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ዝተመስረተ እዩ።
ቀዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትን ሓቢሮም ብምንባር ኣጉሊሆም ዘፅንሑልና ሃገር ብሓድነትን ብጥንካረን ንቀፃሊ ወለዶ ንምርካብ ቃልና እነሐድሰሉ እዋን እዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ፅሕፈት ቤት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፡፡