ህንፀት ሓደሽቲ መዕርፎ ነፈርቲን ነባራትን ስራሕቲ ምምሕያሽ ምቕፃሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣየር ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ ህንፀት ሓደሽቲ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ነባራት ምምሕያሽን ምስፍሕፋሕን ስራሕ እናተኻየደ ምዃኑ በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን 23 መዕርፎ ነፈርቲ ስሩዕ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣየር እናሃቡ ምዃኖም ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ጌታቸው መንግስቴ ገሊፆም።

ብተወሳኺ 22 ኣናእሽተይ መዕርፎ ነፈርቲ በቲ በዓል መዚ ኣፍልጦ ረኺቦም ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከቡ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ብመንግስቲ ፌዴራል ሓሙሽተ ኤርፓርት እናተሃነፁ ከምዝርከቡ ብምሕባር ኣብቶም ነባራት ተግባራት ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽ እናተኻየደ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ በዓል ስልጣን ካብ መንግስቲ ፌደራል ብተወሳኺ መንግስቲ ክልላት፣ ምምሕዳራት ከተማታትን ከምኡ እውን ሰብ ሃፍቲ ኤርፖርት ክኣትውን ከመሓሩን ዘኽእል መምርሒ ምውፅኡ ሓቢሮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ 32 ሓደሽቲ ኣናእሽተይ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ሕቶ ምቕራቡ ብምሕባር÷ እቲ በዓል መዚ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ መረፃ ምክያዱ ኣገንዚቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment