ህዝቢ ኤርትራ ‘ድሕሪ ናፅነት’ ዝነበሮ ኩሉ ስኢኑ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ9፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ኤርትራ ‘ድሕሪ ናፅነት’ እታ ሃገር ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝነበራ ኩሉ ስኢኑ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ፤ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝዓምበባን ዝወቀባን ዝነበራ ከተማታታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ምነደር ተቐይረን ይርከባ ኢሎም፡፡

ኣብቲ እዋን ኤርትራ ልዕሊ 300 ኢንዱስትሪታት ከምዝነበራኣን ኣብ ኣፍሪካ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ካብ ዝበሃላ ከባቢታት ሓንቲ ከምዝነበረት ብምዝኽኻር፤ ሎሚ ግን ንኣብነት ኣስመራ እንተወሲድና ካብ ኣርባ ምንጭን ጅግጅጋ እትንእስ ከተማ ኮይና ኣላ ኢሎም፡፡

ምፅዋዕ ባዶ ኮይና ትርከብ፤ ዓሰብ ሰብ ኣልቦ ከተማ ኮይና እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህዝቢ ኤርትራ ‘ድሕሪ ናፅነት’ ዝነበሮ ኩሉ ከምዝሰኣነ ገሊፆም፡፡

ህግደፍ ልምዓትን ትካላትን ምህናፅ ሓዲጉ መሳርሒ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፤ ፈታዊ ስራሕን ተቐባሊ ጋሻን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ስደትን ምንግልታዕ መግለፂኡ ኮይኑ እዩ ኢሎም፡፡

ከምዚ ዓይነት ተግባራት ጉርብትና ዘበላሽዉ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣጆኻ በሃልቲ እውን እንተኾኑ ጥይት ካብ ምቕባል ሓሊፎም ፀገም ኤርትራ ክፈትሑ ኣይኽእሉን፡፡

ምኽንያቱ ድማ እዞም ኣካላት ምፍታሕ ፀገም ኤርትራ ዘይግድሾምን ናይ ባዕሎም ፀገም ክፈትሑ ዘይከኣሉን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ዘዋፅእ ፅቡቕ ጉርብትናን ምሕዝነትን ጥራሕ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ከምዝተርኣየ ካብዚ ወፃእ ዘሎ መገዲ ከምዘየዋፅእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

የልማት አጋር መሆን እየተቻለ የጠላቶች መጫወቻ መሆን አያዋጣም በሚል ያቀረብናቸውን ጥሪዎች ጆሮ ዳባ ማለት አደጋው እጅግ ከባድ ይሆናል ሲሉ አስገንዝበዋል፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment