ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት መርኣያ ብዙህነት ኢትዮጵያ ኢዮም ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ መስቀል ዳመራ በዓል ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዘይድህሰሱ ቅርስነት ካብ ዘመዝገበቶም በዓላት ሓደ ከምዝኾነ ገሊፁ።
እቲ በዓል ኣብ መልላእ ኢትዮጵያ ካብ ተውልዲ ናብ ተውልዲ እናተወራረሰን ተሓሊዩን ዝቐፀለ ከመዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ መርኣያ ብዙህነትን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
ኣብ ዩኔስኮ ብቅርስነት ዓለም ዝተመዝገበ ነዚ ነባር ትውፊት ኣከባብራ ሒዙ ንክቕፅል፣ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ደቂ ሰባት ኩሎም ሓበራዊ ቅርሲነቱ ንክሕሊ ንምኽኣል ኢዩ ኢሉ።
ኢትዮጵያዊያን እውን እቲ በዓል በቢዓመቱ ጥንታዊነቱን ማሕበራዊ ክብሩን ብዝሓለወ መገዲ ከምዘኽብርዎ ገሊፁ።
መንግስቲ ፍሉይ ጠመተ ካብ ዝሃቦም ዓውዲታት ኢኮኖሚ ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብ ምዕባለ ቱሪዝም እውን ናይ ባዕሉ ርኡይ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!