ህይወት ሰባት ናይ ዘድሕኑ ሓኻይም ሕቶ ናይ ፖለቲካ ክሳራ ብዘጋጠሞም ሰባት ምጥላፉ ትኽክል ኣይኮነን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምንታይ ሕቶ መሃያ እልዐሉ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ኣለ ኢለ ኣይግምትን ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን ከምዝሉዎ÷ ሞያ ሕክምና ዝተኸበረን ህይወት ሰባት ዘድሕንን ኢዩ፡፡

መንግስቲን ማሕበሰረብን ሰብ ሞያ ሕክምና ንዜጋታት ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ብዕቱብ ከምዝርዳእ ኣልዒሎም፡፡

ብሰብ ሞያ ሕክምና ዝቐርቡ ሕቶታት ትኽክል ኮይኖም እናሃለዉ ዝቐርቡሉ መገዲ ስሕተት እንተኾይኑ ግን ዝተደለየ ውፅኢት ከምዘየምፅእ ኣመልኪቶም፡፡

“ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ ሓኻይም ንምንታይ ሕቶ መሃያ እልዐሉ ኢሉ ዝሓስብ ኣለ ኢለ ኣይግምትን“ ክብሉ እውን ተዛሪቦም፡፡

ፀገም ዓውዲ ጥዕና ንምፍታሕ ጥዑይ መገዲ እንድሕር ዘይተኸቲልና እቲ ፀገም ይጋደድ እምበር ዘላቒ መፍትሒ ክረክብ ከምዘይኽእል ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝቐርቡ ሕቶታት መሃያ፣ ጥቕማ ጥቕሚ፣ ናይ ገዛን መሰል ሕቶታትን ናይ ሰብ ሞያ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ÷ ናይ መፍትሒ መገዲ ግን ካብ ሰብ ሞያ ወፂኡ ብካልኦት ተጠሊፉ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ጉዳይ መሃያ ወሲዶም ብዘይፈልጡ ሰባትን መሰረታዊ ኣገልግሎት ሂቦም ዘይፈልጡን ሰባት ከምዝተጠለፈ እውን ኣብሪሆም፡፡

ድቃስ ስኢኖም ህይወት ሰባት ዘድሕኑ ሓኻይም ትኽክለኛ ሕቶ እቲ ጉዳይ ብደምቢ ዘይፈልጡ ሰባት እንተጠሊፎምዎን ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ መፈፀሚ እንተገይሮምዎን እቲ ጉዳይ ዕላማኡ ከምዝሰሓተ ይቑፀር ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ዝለዓሉ ሕቶታት ብሰለስተ ከፊልካ ምርኣይ ከምዝከኣል ብምግላፅ÷ እዚኣቶም ትኽክለኛ ሓኻይም ብቕንዕና ናብራ ከቢዱዎም ዘልዕሉዕም፣ ናይ ፖለቲካ ክሳራ ዘጋጠሞም ኣካላት ዘልዕሉዎምን ሓኪም ዝመስል ጋወን ዝተኸደኑ ፖለቲከኛታት ዘልዕሉዎምን ሕቶታት ኢዮም ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ድማ መሰልኩነታት ምፅራይ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ እዚ ንምግባር ድማ ኩሎም ሰብ ሞያ ጥዕና ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲቶም፡፡

ምስዚ ጉዳይ ተተሓሒዙ ሓኪም ዝመስል ጋወን ተኸደንቲ ፖለቲከኛታት ትኽክለኛ ሕቶታት ሓኻይም ብምጥቃም ዝተኸበረ ሞያ ከየመራስሑዎ ኣገንዚቦም፡፡

ሰብ ሞያ ጥዕና ሕቶኹም ብስምዒት እንተይኮነስ ብምኽንያትን ብስሒትን ምምዝዛን እንትትጅምሩ ብንኡሽተይ እውን እንተኾነ ክትግበር ኢዩ ኢሎም፡፡

ሰብ ሞያ ጥዕና ዘልዕሉዎም ሕቶታት ንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ መብርሂኦም ኣገንዚቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment