ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ምምሕዳር ህፃናት ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ንኸኾኑ ዝስርሑ ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ኢለን።
መበል 35 መዓልቲ ህፃናት ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ህፃናት ተኸቢሩ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ኣብ ፅባሕ ተረከብቲ ሃሀገርን ተስፋ መፃኢ ዘበንን ዝኾኑ ህፃናት ብትኹረት ምስራሕ መገዲ ህይወት ፅባሕ ንምቕናዕ ዘኽእል ኢዩ ኢለን፡፡
ህፃናት ንሃገር ዘለዎም ተስፋ ጋህዲ ንኽኸውን ካብ ማህፀን ጀሚሩ ኣድላዪ ክንክን ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን፡፡
ሎሚ ንህፃናት ዝሃንፁ ተግባራት ምውጋን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብዝድለ መገዲ ንምህናፅ እጃሙ ዕዙዝ ከምዝኾነ ምግላፀን እውን ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ሚኤሳ ኤሌማ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
መበል 35 መዓልቲ ህፃናት ኣፍሪካ ”ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ትውልዲ ንምህናፅ ህፃናት ተኮር ተግባራት ንወግን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኸበረ ይርከብ፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!