ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ተሽከርከርቲ መለለዪ ቁፅሪን ዓይነትን ሰሌዳ ምልክታት መወሰኒን መምርሒ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን 1050/2017 ብምዃን ፀዲቑ።
ኣማኻ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ከድልማግስት ኢብራሂም፤ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ምቕያር ኣመልኪቶም ንሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዓውዲ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም ድማ “ዋና ምኽንያት እቲ ለውጢ ሰሌዳ ኢትዮጵያ ዝተቐበለቶም ዓለም ለኸ ስምምዕነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሰሌዳ ንኽህሉ ንምግባር ኢዩ” ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ናይ ኣሰራርሓ ክፍተት፣ ብኽነት ሃፍቲ፣ ብሲስተም ዝተደገፈ ስራሕ ዘይምህላው፣ ተመሓላለፍቲን ቀወምቲን ሰሌዳ ንናይሕሶት ሰሌዳ ዝተቓለዐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ፀገም ምፍራይ፣ ዝርገሐን ኣወጋግዳን መፍለዪ ቁፅሪ ሰሌዳ ተሸከርከርቲ እቲ ለውጢ ሰሌዳ ምግባር ካብ ዘድለየሉ ምኽንያታት ኮይኖም ከምዝፅርሑ ገሊፆም፡፡
እቲ መምርሒ ነቶም ፀገማት ከምዝፈትሕ ኣመልኪቶም።
ብመሳፍንት እያዩ