ሉሲን ሰላምን ኣብ ሙዚየም ፕራግ ቼክ ሪፐብሊክ ንምርኢት ክቐርባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርኣያ ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ ዝኾና ሉሲን ሰላምን ኣብ ሙዚየም ፕራግ ቼክ ሪፐብሊክ ንምርኢት ክቐርባ ኢየን።

ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽን  25 ነሓሰ 2025 ዓ.ም.ፈ ኣብ ማእኸላይ ኣውሮፓ ክካየድ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ መርኣያ ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ ዝኾና ሉሲን ሰላምን ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝርከብ ሙዚየም ፕራግ ንምርኢት ክቐርባ ኢየን ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሃፍቲታት ኢትዮጵያ ዘፋልጡ ፎረማት ቢዝነስ፣ ኤግዚቢሽን ስራሕቲ ጥበባትን ካልኦት መድረኻትን ከምዝካየዱ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ ኣብ መርሃ ግብሪ ምፍናው ሰላምን ሉሲን፥ እቲ ኤግዚቢሽን ሓዳሽ ኢትዮጵያ እንገልፀሉ ኢዩ ኢለን።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙዚየም ፕራግ ሚካኤል ሉቸክ ብግደኦም፥ እቲ መርሃ ግብሪ መቦቆል ዘርኢ ሰብ ዓለም ዝኾነት ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ እነርእየሉ ብምዃኑ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብቅድስት ኣባተ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment