ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሉኣላዊነት ማለት ወናንነት ያታ ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኅብረት “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ሓለዋ ፅሬትን ምርግጋፅ፥ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ትማሊ ጀሚሩ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣፍሪካ ብብርኪ መምርሒ ካብ ዘለዎ ኣምር ሓድነት ናብ ተግባራዊ ሉኣላዊነት ክትሰጋገር ኣለዋ ኢሎም፡፡
ድምፂ ኣፍሪካ ብምጉላህ ናይ ባዕላ ያታ ንኽትውንን ኢትዮጵያ እናሰርሐት ከምትርከብ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ብ”ኢኒሼቲቭ ሚዲያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ’ ዝተጀመረ ተግባር ፀሪሖም።
ሉኣላዊነት ማለት ከም ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ዝበሉ ኢኒሼቲቫት ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ያታ ክትውንን ምግባር ኢዩ ብምባል ኣገንዚቦም።