ኣዲስ ኣበባ፣ ታሕሣሥ 25፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሉኣላዊነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ ሎሚ ብሓዱሽ መልክዑ ዝተወደበ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣኼባኡ ኣካይዱ ኢሎም።
ኣብቲ ዘተ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዝተኻተኻን ዝተፋላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብ ዝውክሉ ትካላት ከምዝተኻቱን ብምግላፅ፤ ብሓባር ካብ እንውግኖም ስራሕቲ ብተወሳኺ በቢትካሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ብርእሰ ዓቕሚ ንምምላእ ኣብ እንገብሮ ርብርብ ዘይትካእ ግደ ዘለዎም ኢዮም ኢሎም፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ሓዱሽ ፖሊሲ፣ ኣዋጅን ምላሽ ፈንድ ስግኣት ሓደጋን ብምምስራት፤ ዓቕሚ ህዝቢ ብምትሕብባር ዘይብዳህ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ናይ ተፈጥሮ ይኹን ሰብ ስራሕ ሓደጋታት ጉድኣት ብዝንኪ መልክዑ ንምክልኻል ብትግሃት ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!