ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ውድድር ዓመት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2024/25 ሻምፒዮን ዝኾነት ሊቨርፑል ዓወታ ምስ ደገፍታ ተኸብር ኣላ፡፡
ክለብ መርሲሳይዱ ሊቨርፑል ኣብ ኣንፊልድ ጎዳናታት ብምዝውዋር ምስ ደገፍታ ኣብ መበል 20 ፅዋዕ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ዓወታ ተኸብር ኣላ፡፡
ብምኽንያት ኮቪድ 19 ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ሻምፕዮን ኮይና ምስ ደገፍታ ዓወት ከተብዕል ዘይከኣለት ክለብ መበል 20 ፅዋዕ ሊግ ክትዓትር ክኢላ።
ፕሪምየር ሊግ ኢንግሊዝ ትማሊ መዛዘሚ ፀወታኣ ዝረኸበት እንትትኾን÷ ሊቨርፑል ኣብ ውድድር ዓመት በቲ ሊግ ብዝገበረቶም 38 ፀወታታት 84 ነጥቢ ብምሓዝ ብቀዳመይቲ ምዝዛማ ኣይዘንጋዕን፡፡