ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ፕሮጀክታት ልምዓት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ከተማ ጎንደር እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ተዓዚቦም፡፡

ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)ንሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር)ን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራል ኣባላት ኣመራርሓን ኣብቲ ክልል ብመንግስቲን ሰብ ሃፍቲን ብሓባር ዝተጣየሸ መፍረዪ ዓለባ ጋርመንት ኣባይ ጎብኒዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ብምዝዛም ንኣገልግሎት ዝበቕዐ ልምዓት ኮሪደር ፒያሳን ከባቢኡን ከምኡ እውን ፅገናን ሕድሳትን ሓድጊ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ፋሲል ኣካል እቲ ዑደት ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ከምዝሳተፉ እውን ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment