ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓደሽቲ ኣተውቲ ተምሃሮ ምቕባል ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብመሰረት ምደባ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሓደሽቲ ኣተውቲ ተምሃሮ ምቕባል ጀሚሮም።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ 2017 ዓ.ም ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መእተዊ ነጥቢ ዘምፅኡን ብሪሚዲያል ፕሮግራም ትምህርቶም ዝከታተሉን ተምሃሮን ምደባ ወጊኑ።

ብመሰረት እዚ ዩኒቨርስቲታት እቲ ሚኒስቴር ዝመደበሎም ተምሃሮ ምቕባል ከምዝጀመሩ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣለምሸት ተሾመ ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ንኽከታተሉ ልዕሊ 5 ሺሕን 5ዐዐ ተምሃሮ ተመዲቦም።

በዚ ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣድላዪ ዝኾኑ ቅድመ ምድላዋት ብምግባር ሓደሽቲ ኣተውቲ ተምሃሮ ምቕባል ጀሚሩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ብሚኒስቴር ትምህርቲ ዝተመደቡሌ ልዕ፤ሊ 1 ሺሕን 700 ሓደሽቲ ተምሃሮ እናተቐበለ ከምዝኾነ ዲን ኣገልግሎት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጊዜው ፈጠነ ተዛሪቦም።

ፈፃሚ ስራሕ ድሬዳዋ ዩኒቨርሲቲ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ተንሳይ ሃይሉ ብግደኦም፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብስሩዕን ሪሚዲያል ፕሮግራም ትምህርቶም ዝከታተሉ 4 ሺሕን 67 ሓደሽቲ ኣተውቲ ተምሃሮ ከምዝተቐበለ ሓቢሮም፡፡

ብተሾመ ሃይሉን ኣበበ የሸዋልኡልን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment