ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።
እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ስልጠና ክወስዱ ቀኒዮም ኢዮም።
እቶም ሰልጠንቲ ሎሚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ቦራ ብኩታ ገጠም ዝለምዕ ዘሎ ግራት ፓፓያን ባናናን ርእዮም።
ብኩታ ገጠም ዝለምዕ ዘሎን ሬድ ረዲ ዝተብሃለ ዘርኢ ፓፓያን ካብ ሓደ ተኽሊ ክሳብ ሓደ ኩንታል ፍሪያት ከርክብ ከምዝኽእል ኣብቲ ዞባ ቤት ፅሕፈት ግብርና መብርሂ ተዋሂቡ።
እቶም ኣመራርሓ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ሉሜ ዝካየድ ዘሎን ን80 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረን ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ርእዮም።
እቲ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ሓዊሱ ብኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ዝተርኣዩ ስራሕቲ ልምዓት ካልኦት ክልላት ፅቡቕ ተመክሮ ዝረኣያሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!