ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄኔራል ታደሰ ወረደ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቕሪቦም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ንጉሆ ብርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄኔራል ታደሰ ወረደ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ቀሪቡሎም በቶም ውፅኢታት ገምጋምን ልዝብን ከምዝተገበረ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቱ።