ልምዓት ኮሪደር ሓምለዋይ ልምዓት መሰረት ገይሩ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት ኮሪደር ሓምለዋይ ልምዓት መሰረት ብምግባር እናተሰርሐ እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን።

ሚኒስትር ዲኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን የትምጌት ኣስራት ከምዝበልኦ÷ ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ህንፀት ሃገር ኣብ ምሕያል ልዑል እጃም ይገብር ኣሎ።

መርሃ ግብሪ መሰረተ ልምዓት ምስ ሓምለዋይ ልምዓት ብምትእስሳር ንለውጢ ክሊማ ምፅዋር ብዘኽእል መልክዑ ትግብር ኣሎ።

ዘላቒ ስራሕቲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኮሪደር እናተኻየደ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ እናሰርሐት ዘላ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንመፃኢ ወለዶታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ኣብሪሄን።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ዮናስ ኣያሌው (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሃለወ ንክኾን ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment