ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ከተማታት ብሩህ ተስፋ ዝኸፈቱ ዓበይቲ ዓወታት ተመዝገቦም ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፡፡
10ይ ፎረም ከተማታት “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ሕውነት ኣብ ምጥንኻ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
ከም ሃገር ዝተትሓዙ ሸቶታት ልምዓትን ትልሚታትን ሓራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ከምዘኽእል እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጡፍ ዕቤት ካብ ሞንጎ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ብምሕባር÷ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ከተማታት ብሩህ ተስፋ ዝኸፈቱ ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም ኢዮም ኢሎም።
ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ንነበርቲ ምቹዋት ክገብር ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።
ብቤዛዊት ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!