ልምዓት ኮሪደር ገፀር ሃገር ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ራእይ ዘለዎ ሃገራዊ ጅማሮ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት ኮሪደር ገፀር ሃገር ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ራእይ ዘለዎ ሃገራዊ ጅማሮ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባ ካንባታ ወረዳ ዙሪያ ኣዲሎ ቀበሌ ሃሚዶ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ኣጀሚሮም።

ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቀበሌ ዝነብር ሓደ ሓረስታይ ሞዴል መንደር ገፀር ዑደት ምግባሮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓቢሮም፡፡

እቶም ሓረስታይ ፅሩይ፣ ጥዑይን ንዓይኒ ዝስሕብን መነባብሮ ከባቢ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ውሽጢ ብምፍጣር ኣብነት ዝኾኑ ስራሕቲ ምክያዶም ኣረዲኦም፡፡

ፅሩይ መንበሪ ቦታ ካብ ምፍጣር ብዝሓለፈ ኣብ ልምዓት ትሩፋት ሌማትን ኣሕምልቲ ገደናን ስራሕቲ ንቁሕ ተሳትፎ እናካየዱ ከምዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እዚ ስራሕ ኣብ ኩሉ ከባቢ ብምትሕብባር ክሰፍሕ ይግባእ ኢሎም።

ከምኡ እውን ኣብቲ ዞባ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ምስሊ ዝኾነ እምባ ሃምበርቾ ናብ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ማእኸል ኢኮ-ቱሪዝም ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕ እውን ኣዝዩም ዝነኣዱ ምዃኖም ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ እምባ ዝተሃንፀ 777 መውፅኢ ደረጃ እቲ ከባቢ ተበፃሕነት መስሕብ ቦታ ዝገበሮ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም፡፡

ስለዝኾነ እቲ እምባ ምውፃእን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣዕዋፍ ምርኣይን ዝፈትዉ ቱሪስታት ናብቲ ቦታ ብምምፃእ ፅቡቕ ግዜ ምሕላፍ ከምዝኽእሉ ምዒዶም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment