ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ንኢትዮጵያ ዝምጥን ከተማ ንምህናፅ ልምዓት ኮሪደር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብምጅማር ኣብ ኩለን ክልላት ስራሕቲ ልምዓት እናሰርሐ ይርከብ፡፡
እዚ ልምዓት ኮሪደር ኩለመዳይ ምዕባለ ኣብ ምርግጋፅ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ፡፡ ካልኦት ከተማታት እውን ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ልምዓት ኮሪደር እንታይ ከምዝትመስል፤ ልምዓት እንትስራሕ ዝነበረ ኩነታትን ልምዓት ኮሪደር ምስተዛዘመ ዘሎ ለውጢን ዘርኢ ልምዲ ምስ ወሰዳ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ 68 ከተማታት ልምዓት ኮሪደር ምስራሕ ተኻኢሉ፡፡
እቲ ልምዓት ኮሪደር ካብ ምስ ዕቤት ከተማነት ዝተኣሳሳረ ልምዓት እንትኸውን፤ ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ፍትሓዊ ልምዓት ንዜጋታት ንምቕራብ ብምሕሳብ ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ክኸውን ብዝኽል መልክዑ ከተማታት እናለምዓ ይርከባ፡፡
ኮይኑ ግን ልዑክ ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነብር ኣብ ገፀር ብምዃኑ ህይወት ዜጋታት ንምልዋጥን ኩለዳይ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣብ ከተማ ዝተሰርሐ ልምዓት ኮሪደር እኹል ኣይኮነን፡፡ ኣብ ከተማታት ዝተርኣየ ዘዕግብ ውፅኢት ኣብ ገፀር እውን ክረአ ኣለዎ፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብ ከተማ ጥራሕ እንተይተገደበ ኣነባብራ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምሕያሽ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ተግባራዊ ተገይሩ ኢዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2017 መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገፀር ዝኾነ ህንፀት ሞዴል መንደራት ገፀር ከምዘጀመሩ ይዝከር።
ዝሐሸ ናብራ ንምእላሽ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝግበር ፍልሰት ብምንካይ ዝተመጣጠነ ዕቤት ንምምፃእ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ተግባራዊ ምግባር ወሳኒ ኢዩ፡፡
እዚ ድማ ዝተመዓራረየ ናብራ ከተማነትን ናብ ገፀር ብምምፃእ፤ እቶም ሞዴል መንደራት ገፀር ቀሊል ወፃኢ ወፃኢ ዝሓቱን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ እታወታት ብዝነፁ፤ ከምኡ እውን ሓረስታይ ጥዑይን ክብሪ ዘለዎን ህይወት ንኽነብር ዘኽእል ኣካል ልምዓ ኢዩ።
ልምዓት ኮሪደር ገፀር ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ስነ ምህዳራዊን ረብሓ ሓዊሱ ብዝሕ ረብሓ ዘለዎ እንትኸውን እዚ ድማ ዘላቒ ልምዓትን ዝተረጋገአ ሕብረተሰብን ንምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።
ቅድሚ ለውጢ ፍልፍል ኢኮኖሚ ዝኾነ ከባቢ ገፀር ትኹረት ስኢኑ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ዝሐሸ ናብራ ንምእላሽ ናብ ከተማ ዝኸይድ ሓረስታይ ኣብ ዘለዎ ተረጋጊኡ እታወት ብምውሳኽ እናሰርኸ ንሕነብር ዘሕእል ኩነታት ኢዩ ናይ ለውጢ መንግስቲ ፈጢሩ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!