ልምዓት ወርቂ ቱሉ ካፒ ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኸመይ ንረብሓ ህዝቢ ክንጥቀመሉ ከምእንኽእል ዘርኢ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ልምዓት ወርቂ ቱሉ ካፒ ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኸመይ ንረብሓ ሃገርን ህዝቢን ብሓላፍነት ክንጥቀመሉ ከምእንኽእል ዘርኢ ቀንዲ ኣብነት ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝርከብ እቲ ፕሮጀክት ብምትሕብባር መንግስቲን ውልቀ ኢንቨስተራትን እናተሰርሐ ዝርከብ ኢዩ።

ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓኡ ሓሊፉ እቲ ፕሮጀክት ንትካላት ትምህርቲ፣ ልምዓት መገዲ፣ ትካላት ጥዕናን ህንፀት ዘበናዊ መንበሪ ገዛን ናይ ምንቕቓሕ ዓቕሚ ከምዘለዎ ፀሪሖም።

ረብሓ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓደ ጥራሕ ዝተወሰነ ዘይኮነስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዝበለፀ ንልምዓት ብምልዕዓል ልዑል ግደኡ ከምዘቕፅል እምነተይ ፅኑዕ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ፕሮጀክት ልምዓት ወርቂ ቱሉ ካፒ ሃፍቲ ተፈጥሮና ብኸመይ ንረብሓ ሃገርን ህዝቢን ብሓላፍነት ክንጥቀመሉ ከምእንኽእል ዘርኢ ርኡይ ኣብነት ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment