ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣዲስ ኣበባ ወሰናወሰን ሩባ ካብ ምውቃብ ሓሊፉ ልዑል ረብሓ ዝሓዘ ፕሮጀክት ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣዲስ ኣበባ ወሰናወሰን ሩባ ካብ ምውቃብ ሓሊፉ ልዑል ረብሓ ዝሓዘ ፕሮጀክት ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣዲስ ኣበባ፤ ወሰናወሰን ሩባ ካብ ምውቃብ ሓሊፉ ልዑል ረብሓ ዝሓዘ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣድላይነት እቲ የፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ልዑል ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ረብሓኡ ኢዩ።

ካብ እንጦጦ ክሳብ ፒኮክ ከምኡ እውን ካብ እንጦጦ ክሳብ ቀበና ኣብ ዘሎ መስመር ዝውገን ሰፊሕ መጠን ዘለዎ ትራንስፎርሜሽን ከተማ፤ ካብቶም ሩባታት ሓሊፉ ክሳብ 50 ሜትሮ ዝዘልቕ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሓምለዎት ኮሪደራት፣ ናይ ህዝቢ መእከቢ ቦታታት፣ ናይ እግረኛ መገዲታት፣ መዘናግዒ ቦታታትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ልምዓት ዘካተተ እንትኸውን እታ ከተማ እውን ኣዚዩ ዝቐየረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምስሊ ወሰን ሩባታትን ኣገልግሎትን ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ኣብ ዓውዲታት ኮንስትራክሽን፣ ኢንጂነሪንግ፣ ህንፀት ፅባቐ መልክኣ-ምድሪ፣ ሎጂስቲክስን ተተሓሓዝቲ ዘፈራትን ንብዙሓት ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ሓቢሮም፡፡

ንሃገር በቆል ተቛረፅቲ፣ ቀረባ ናይ ንግዲ ዕድላት ኣመዓራሪዩ ኢዩ ኢሎም።

መብምሕትኡ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር መሃንዲሳት ምሕንፃፁን ምትግባሩን፤ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ኣብ ህንፀት ልምዓት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዘለዎም ዓቕሚ እናዓበየ ምምፅኡ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ዘላቕነት እቲ ልምዓት እውን ማዕረ ትኹረት ዝወሃቦ ኢዩ። ቅድም ክብል መርዛም ኬሚካላትን ረሳሓትን ዝድርበዩሎም፣ ኣብ ወሰን ሩባ ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ንሓደጋ ውሕጅ ይጋፍዑ ዝነበሩ እዞም ከባቢታት፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ሓምለዋይ፣ ጥዑይን ንህይወት ምቹው ናብ ዝኾነ ከተማ እናተቐየሩ ይርከቡ ኢሎም። ብተመሳሳሊ ኩነታት እውን፤ ናይ ህዝቢ ንግዲን መዘናግዒን ቦታታት ተዋዲዶም ምህናፆም፤ ሓለዋ ከባቢን ዕቤት ኢኮኖሚን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ዘይተናበበ ስራሕ ተናጊፎም ብመፅናዕቲን ሓበራ ሸቶን ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዝከኣል መረጋገፂ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

‎በተመሳሳይ ሁኔታም የንግድ እና የሕዝብ መዝናኛ ቦታዎች ተቀናጅተው መገንባታቸው የአካባቢ ጥበቃ እና የኢኮኖሚ ዕድገት ከዚህ ቀደም ከነበረው ያልተናበበ ስራ ተላቀው በጥናትና በጋራ ግብ ተባብሮ መስራት እንደሚችሉ ማረጋገጫ መሆኑንም አመልክተዋል።

‎እዚ ቅልጡፍ ስራሕቲ ልምዓት ንኣዲስ ኣበባ ሓምለወይቲ፣ ብዝበለፀ ዝተኣሳሰረት፣ ብኢኮኖሚ ዝነቕሐትን ሰብ ማእኸል ዝገበረት ከተማ ኣብ ምግባር ቀፃሊ ዕድላ መሰረት ዝተነበረሉ ናይ ነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment